ፀብለልታ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት መንግስቲ መደመር ተረባሕነት ዜጋታት እናረጋገፀ እዩ-ብሩክ ታዬ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ፀብለልታ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት መንግስቲ መደመር ተረባሕነት ዜጋታት እናረጋገፀ እዩ-ብሩክ ታዬ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ መደመር ኣብ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ዘመዝገቦ ፀብለልታ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ዜጋታት እናረጋገፀ ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆንልዲንግስ ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት(ፋይዳ) ከም ኣካል ትካል ልምዓት መንግስቲ ዳግማይ ብምጥያሽ “ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ ኢንተርፕራይዝ” ብዝብል ስያመ ኣብ ትሕቲ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ተኻቲቱ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ “ፋይዳቨርስ” ዕላዊ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስራሕ ተኻይዱ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ፋይዳ ቨርስ ጥንካረን ዘላቕነትን ዲጂታል ዘመን ከምኡ እውን ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪነት ከም ዘጠናኽር ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት መንግስቲ መደመር መሰረተ ልምዓት ቴሌኮሙኒኬሽን ብምጥንኻር ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ድምፅን ኢንተርኔትን ብዝለዓለ ኩነታት ከም ዘዕበየ ተዛሪቦም።
ኣገልግሎታት ሓደ ማእኸል መሶብ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን እውን ፅሬትን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት መንግስቲ እናዕበዩ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣገልግሎት ፋይዳ ኣብ ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ካብ ስርዓታት ዲጂታል መንነት እቲ ሓደ እናኾነ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ፋይዳ ቨርስ ናብ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ምሕዋሱ ድማ ትካላዊ ጥንካረ ከም ዝፈጥር ሓቢሮም።
መሰረተ ልምዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓቕምን ልምድን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ዲጂታል መንነት ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ብብርኪ ዓለም ትኹረት እናሰሓበ እዩ ኢሎም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ብግደኦም፤ ኣብ ውሑዳት ዓመታት መንነት ዜጋታት ብዲጂታል መንገዲ ናይ ምምዝጋብን ምርግጋፅን ስራሕ ከም ዝተሳለጠ ገሊፆም።
ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ብሓዱሽ መልክዕ "ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ" ብዝብል ናብ ትካል ልምዓት መንግስቲ ምዕባዩ እውን ውፅኢታውነት ዲጂታል ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝተወሰደ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።