ሲ ኤን ኤን ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ): - ፍሉጥ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ሃገራት እቲ ዞባ ተረባሕቲ ኢነርጂ ዝገበረ ዓብይ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።

እቲ ግድብ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዘባፅሐ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺቱ።

ኣብ ሲ ኤን ኤን ፀብፃቢት ዝኾነት ቪክቶሪያ ሩባዲሪ ናብ ጉባ ብምጉዓዝ ሓቃውነት እቲ ግድብ ፀብፂባ።

በዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰብ ሞያ ምህንድስናን ሰብ ሞያ ህንፀትን ነቲ ሽንጥሮ ዝበዝሖ ከባቢ ናብ ዓብይ ግድብ ኣፍሪካ ከም ዝቐየርዎ ሓቢራ።

እቲ ግድብ ልህቀት ምህንድስና ዝተርኣየሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ፃንሒት ህንፀት 14 ዓመታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ከም ዝተመረቐ ገሊፃ።

እቲ ግድብ ብደገፍ ኢትዮጵያውያን፣ፋይናንስ መንግስቲ፣ቦንድታትን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ውሽጢ ሃገርን ብዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሃነፀ እውን ተዛሪባ።

እዚ ዓብይ ግድብ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዝህብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጎረቤት ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክባፃሕ ዝገብር እዩ ኢላ።

በዚ ድማ እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ማእኸል ምትእስሳር ዞባዊ ሓይሊ ከምኡ እውን መባፅሒ ቱሪስት ብምዃን ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኣ።

ሲ ኤን ኤን ኣብ ፀብፃቡ ንመካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ብምቕራብ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዘይጎድእ መልክዑ እቲ ግድብ እናተጠቐመትሉ ከም ትርከብ ኣፍሊጦም።

ግብፂ ብምኽንያት እቲ ግድብ ዝበፅሓ ማይ ቀኒሱ ብዝብል እተቕርቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ከም ዝኾነ እውን ኢንጂነር ክፍሌ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝርከቡ 13 ተርባይናት ብዘፈልፍልዎ ሓይሊ 6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝኾኑ እን ኣረዲኦም።

እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ንሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ታንዛኒያን ሓይሊ ምብፃሕ ከም ዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ሓይሊ ንምሻጥ ምድላው ከም ዝተገበረ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተፈጠረ ንጋት ሃይቅ ዝተፈጠራ ደሴታት ንመስሕብ ቱሪስት ዓብይ ዓቕሚ ከም ዝኾና ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ንመባፅሒ ቱሪስት ዘገልግሉ መሰረተ ልምዓታት ከም ዝህነፁ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም