ኢትዮጵያ ክብረወሰን ዝሰበረትሉን ዝሓሰበቶ ክትፍፅም ከም እትኽእልን ደጊማ ዘረጋገፅትሉ እዋን እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ):- ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ 805 ነጥቢ 3 ሚልየን ፈልሲ ብምትካል ክብረወሰን ዝሰበረትሉን፣ ህዝባ ብሓባር ክወፍር እንተሎ ዓበይቲ ውፅኢታት ከምዘመዝግብ ደጊማ ዘርኣየትሉን ግዘ እዩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ መዛዘሚ መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብሓንቲ ፀሓይ ከም ዝገለፅዎ፥ እቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርሃ-ግብሪ 26 ሚልየን ዜጋታት ብድልየት ተሳቲፎም፣ ንወለዶ መፃኢ ተስፋ ዝኸውን ታሪኻዊ ተግባር ፈፂሞም

እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ክሰርሑ እንተለዉ ክጭበጥ ዝኽእል ዓብዪ ውፅኢት ንዓለም ብተግባር ዘርአየ ተግባር እዩ ኢሎም።

 

26 ሚልየን ዜጋታት ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ከይሓተቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝናብ ሙሉእ መዓልቲ ብምስራሕ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ብቐሊሉ ክድገም ዘይኽእል መርአያ ሃገራዊ ዓቕሚን ሓድነትን እዩ ክብሉ ኣስሚሮምሉ።

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ምስታፎም ጠንካራ መርኣያ ሃገራዊ ሓድነት ምዃኑ ብምፅራሕ፥ ዓበይቲ፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ዜጋታት ጉድኣት ኣካልን ካልኦትን ብሓባር ንሃገሮም ዘርኣይዎ ቆራፅነት ዓብዪ ተስፋን ሞራልን ዝሃበ እዩ ኢሎም።

ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 6 ነጥቢ 5 ቢልየን ፈልሲ ከም ዝተተኸለ ገሊፆም። እቲ ዝተረፈ 1.5 ቢልየን ፈልሲ ድማ ኣብተን ዝተረፋ ኣዋርሕ ክትከል ምዃኑ ኣመልኪቶም


 

እዚ ድማ ንሓፈሻዊ ዓመታዊ ዕላማ መርሃ-ግብሪ ንምዕዋት ጠንካራ መሰረት ዝገበረን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ዳግማይ ዘረጋገፀን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ምድላው ፈልሲ፣ ምድላው ጉድጓድ፣ ብጂኦ-ሎኬሽን ቴክኒካዊ ደገፍ፣ ኣብ ፀብፀፃብ ሓበሬታን ኣብ ተኸላ ስራሕን ዝተሳተፉ ኩሎም ዜጋታት ካብ ልቢ ዝመንጨወ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ መፃኢ እዋን እውን እቲ መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተመሳሳሊ ደረጃ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ምትሕብባርን ቆራፅነትን ብምቕፃል ሃብታም፣ ሓምለዋይን ዘላቒን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኩሎም ወገናት ብሓባር ክቕፅሉ ፀዊዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም