ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓ ብዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ሙሉእ መልእኽቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
እንትንተሓባበር ምፍፃም ከም ንኽእል ደጋጊምና ንዓለም ዘርኣናሉ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሎሚ እውን ብዓወት ተዛዚሙ።
ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ።
መንግስቲ ዘላቒ ረብሓ እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዘድልዩ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት እንተቕምጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ሃገራዊ ድሌቱ ብሓባራዊ ተበግሶ ጋህዲ ናይ ምግባር ልምምድ ዘበናት ዘለዎ እዩ።
ብፍላይ ድማ መንግሥቲ ንሓምለዋይ ልምዓትን ሃሀራዊ ልዕልናን ንዘቕርቦ ፃውዒት እቲ ህዝቢ ብዝለዓለ ተሳትፎ ምላሽ ናይ ምሃብ ቆራፅነቱ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብነት ዝኸውን እዩ።
መንግሥቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝባደሙ ከባብታት ብብርቱዕ ኣእዳው ደቃ ንክሕከሙ፣ እናተስፋሕፈሐ ዝመፀ ድርቅን በረኻነትን ብዘላቕነት ንክግታእን ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንባርን ዝተሃነፀ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምዃን ግልፅን ፅኑዕን ቅዋም ብምሓዝ ፃውዒት ከቕርብ ፀኒሑ እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ተሳትፎ ህዝብን ብመሪሕነት መንግስትን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጋህዲ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ምድሮም ምልባስ ባህሎም ገይሮሞ እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጥራሕ ብጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም እዮም።
ሎሚ ዓመት እውን ኣብ 8ይ ዓመት እቲ ጎስጓስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብቲ ክረምቲ ብሓፈሻ ድማ 8 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል መንግስቲ ቆራፅ ቅዋሙ ብዕሊ ኣፍሊጡ እዩ።
ንሃገራዊ ፃውዒት መንግስቲ ቅኑዓት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን እውን ነቲ ፃውዒት ብሙሉ በዓል ዋንነት ተቐቢሎም ንዕውትነቱ ልዑል ርብርብ ገይሮም እዮም። በዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል እቲ ዝተሓሰበ ሽቶ ልዕሊ ትልሚ ኣዐዊቶሞ እዮም።
እዚ ድማ መንግስትን ህዝብን እንትተሓባበሩ እንታይ ክሰርሑ ከም ዝኽእል ዘርኢ፣ ዝኾነት ኣብ ዓለም ዘላ ሃገር ክተዕውቶ ዘይትኽእል ዓብይ ዓወት እዩ።እዚ ውፅ ሊት ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያን ስትራቴጂካዊ ቅዋም መንግስትን ኣብ ሓደ ኣንፈት ከም ዝርከቡ መረጋገፂ እዩ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ቁሪ፣ ዝናብን ፀሓይን ከየሰኮኖም መሬት ከልምዑ ውዒሎም፤ በዚ ፅኒዕ ምንቅስቓስ እውን ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም። ኢትዮጵያ ብደቃ ኮሪዓ እያ፤ መንግስቲ እውን ልዑል ቆራፅነት እቲ ህዝቢ ኣብ ዝረኣየሉ ኣብዚ ታሪኻዊ ፍፃመ ልዑል ኩርዓትን ክብርን ይስንዖ። እዚ ድማ መንግሥቲ ነዚ ዓብይ ህዝቢ ብዝበለፀ ሓላፍነትን ተኣማንነትን ናይ ምግልጋል ፅኑዕ እምነቱ ንከጠናኽር ተወሳኺ ጥንካረ ኮይንዎ እዩ።
ክቡራት ኢትዮያውያን፣ክቡራት ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣካላት ዲፕሎማቲ ማሕበረሰብን ሎሚ መዓልቲ እዚ ሃገራዊ ራኢ ብሓባር ጋህዲ ምግባር ንክንኽእል ንዝገበርኩሞ ልዑል ርብርብ መንግስቲ ብሽም ኢትዮጵያ ዝለዓለ ምስጋና የቕርብ።
ሓፈሻዊ ትልሚ ተኸላ 8 ቢልዮን ፈልስታት እቲ ክረምቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕዋት ዝተጀመረ ሃገራዊ ተሳትፎን ፅኑዕ ቅዋምን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።
27 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ