ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ንዕውትነት መርሃ ግብሪ  ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ከምዘሎ ዋና ስራሕ ፈፃሚ  እቲ ትካል ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም።

"ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ  800 ሚሊዮን ፈልሲታት ካብ ንግሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ተኻይዱ።

ኢዜኣ ምስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲን ኣመራርሓ ወረዳ 6ን ብምዃን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ።

ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ኣይተ  ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ትካል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር  2018 ዓ.ም  ንሳልሳይ ግዜ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ እዩ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ  መርሃ ግብሪ  ተኸላ ፈልሲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ተካል ከምዝተሳተፉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ነቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ስራሕቲ ምክንኻን ከምዝሰራሕ ተዛሪቦም።

ኢዜኣ ንዕውትነት መርሃ ግብሪ  ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ከምዘሎ ሓቢሮም።


ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ስራሕ ፈፃሚ  ወረዳ 6   ኣይተ ኣለማየሁ መርጋ ብወገኖም፤ ነባሪ እቲ ወረዳ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብንቕሓት ክሳተፍ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ነበርቲ እቲ ወረዳ በቢእዋኑ እዋን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብሩዎ ተሳትፎ እናዓበየ ምምፅኡ ዝሓበሩ ኣይተ ኣለማየሁ፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ነዙይ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ  ብዝለዓለ ምንቕቓሕ ተጀሚሩ   ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ  ወፂኡ ክተክል ከምዝወዓለ ዝተዛረባ ድማ ናይቲ ክፍለ ከተማ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት  ኮሙኒኬሽን ቅድስት ንጋቱ እየን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም