ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ኮይና ኣላ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ኮይና ኣላ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/27 ሓምሌ /2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ከም ዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ታሪኻዊ ዓወት ከም ዘመዝገበት ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ሃገርና ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንመላእ ኣፍሪካ ዓብይ መርኣያ ኮይና እያ ኢሎም።
በዚ ድማ ኣብቲ ድሙቕ ጎስጓስ ተኸላ ፈልሲ 26 ነጥቢ 2 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያውያን ንዘርኣይዎ ርብርብን ቆራፅነትን ዘለዎም ናእዳ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ናይ ሓንቲ ፀሓይ ተሳትፎ 291 ነጥቢ 4 ሽሕ ሄክታር መሬት ሓምለዋይ ኣሰር ምልባስ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲኦም።