ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ሚኒስትር ግብርና ባዲሱ ኣረጋ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ኣፊሱ ኣረጋ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 2018 ዓ/ም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስትታት ከም ዝትርተኸሉ ኣፍሊጦም።
እዚ ድማ 96 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከም ዝተተኸለ ብምግላፅ፤ 24 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፉ እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም