ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሐዚ 700 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም - ሚኒስትር እናትኣለም መለሰ

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሐዚ 700 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኽሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ገሊፀን።
ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተካየደ ይርከብ።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ክሳብ ሐዚ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኽሉ ገሊፀን።
ከምኡ እውን 22 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተሳትፎ ምግባሩን ኣብ 256 ሺሕ ሄክታር መሬት ኣሰሮም ከም ዘዕረፉን ኣመላኺተን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም