ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ ከም ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም።
“ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰሮም እናንበሩ እዮም ዝርከቡ።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ንምዕባይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ ኢሎም።