ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና - ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ - ኢዜአ ትግርኛ
ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና - ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ
ሰመራ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛሪቦም።
ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ተሳቲፎም።
መራሒ ስራሕ ፋይናንስ እዚ ሰሜን ምብራቕ ኮሎኔል ብርሃን ጥላዬ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገራዊ ልእኽቶኡ ካብ ምውፃእ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ልምዓት እናተሳተፈ ይርከብ።
ብፍላይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሕብረተሰብ ዓብዪ ረብሓ የጎናፅፍ ብምህላዉን ንወለዶ ዝሰጋገር ተግባር ብምዃኑን እጃሞም እናተዋፅኡ ምዃኖም ኣብሪሆም።
ሓላፊ ሚዲያን ርክብ ህዝብን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሻለቃ ፀጋዬ ገብሬ ብወገኖም፤ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኩሎም ወሰናት እታ ሃገር ህዝባዊ ውግንናኡ ብምርኣይ ግቡኡ እናተዋፀአ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ጎና ጎኒ ዶብ ሃገር ምሕላው እውን ንሕብረተሰብ ዓብዪ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ልምዓት ኣሰሮም እናኣንበሩ ምዃኖም ገሊፆም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብምስታፍ ኣሰረን ዘዕረፋ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ሃና ተካ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዜጋታት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ስራሕቲ ብምስታፍ ህዝባዊ ውግንናኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን፡፡
ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምስታፍ እታ ሃገር ዝሓዘቶ ስራሕ ምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ብምሕጋዝ ናይ ባዕለን ግደ እናተዋፅኣ ምዃነን እውን ገሊፀን።
እቲ መርሃ ግብሪ ፅልዋ ኣየር ንብረት ንምፅዋርን ንምቕናስን ዘለዎ ረብሓ ዓብዪ ስለዝኾነ ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ኣሰሮም ከም ዘዕረፉ ዝገለፁ ድማ ምክትል ዓሰርተ ሓለቓ መሐመድ ዛኪር እዮም።