መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓድነት ንምጥንኻር ኣርኣያ ዝኾነ ኸይዲ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓድነት ንምጥንኻር  ኣርኣያ ዝኾነ ኸይዲ እዩ ክብሉ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ገሊፆም።

ተመኻኸርቲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ተሳቲፎም።

ኣብዚ እዋን እቶም ዋና ኮሚሽነር ከም ዝበልዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ምትካል ፈልስታት ዝሓለፈ ተግባር እዩ።

ኣብቲ ምኽክር ምዝራብን ምድምማፅን እናስፈንና ሓሳባት እናተከልና ኢና ዝበሉ ፕሮፌሰር መስፍን፣ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ሓሳብ ንምትካል፣ ሓድነትን ሓባራዊ ሃገር ንምህናፅን ኣርኣያ ከም ዝኸውን ገሊፆም፡።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም