ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ - ርእሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)

ወልቂጤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ) ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ከም ዝተኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (/) ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ካብ ንግሆ ጀሚሮም እናተሳተፉ ይርከቡ።

በዙይ እውን ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስት እቲ ክልልን ኣብ ዞባ ጉራጌ ፍሉይ ወረዳ ቀቤና ጣብያ ፈረጀቴ ኣብ ተፋሰስ ሬቡ ብምርካብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም።


 

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ።

ዝትከሉ ፍራምረን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎምን ፈልስታትን ተፈጥሮ ብምሕላው ውሕስነት ምግቢ ብምርግጋፅ ዓወት እናመዝገቡ ምዃኖም እውን ወሲኾም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም