ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሎሚ ወለዶ ምስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ብሓለዋ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር ሓባራዊ ሓደራ እዩ - ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሎሚ ወለዶ ምስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ብሓለዋ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር ሓባራዊ ሓደራ እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተካየደ እዩ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣሰሮም ኣንቢሮም

እቶም ኣፈ-ጉባኤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ፍልልያት ንላዕሊ ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ብሓባር ደው ዘብልን ዘራኽብን ሃገራዊ ወፍሪ ምዃኑ ገሊፆም።


 

ብተወሳኺ እውን እቲ መርሃ ግብሪ ብብርኪ ዓለም ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ ቆራፅነት ዘመላኽት እናዀነ ምምፃኡ ኣመላኺቶም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ናይቲ መርሃ ግብሪ መወዳእታ ዓወት ከም ዘይዀነ ብምግላፅ፣ ድሕሪ ተኸላ ንፈልስታት ብኣግባቡ ምሕብሓብ፣ ምሕላውን ናብ ፍረ ምብፃሕን ንዘላቒ ዓወት እቲ መርሃ ግብሪ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም