መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ እናርከበ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ እናርከበ እዩ
ጅግጅጋ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ የርክብ ምህላዉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ኢብራሂም ኡስማን ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል ’’ተስፋ ንትከል’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተካየደ ይርከብ።
እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ውፅኢታት እናተረኸቡ ምህላዎም ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ክልል ምብዳም መሬትን ምሸርሸር ሓመድን ብምክልኻል መፍረያይነት ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ኢሎም።
ሽፋን ኣግራብ ብምዕባይ ፅልዋ ለውጢ ኣየር ንብረት ኣብ ምክልኻል ዘበረታትዕ ውጽኢት እናተመዝገበሉ ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም።