ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ጉዕዞ ብልፅግናና እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ጉዕዞ ብልፅግናና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትርቢይ ኣሕመድ (/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሓደ ሰሙን ወፍሪ ወይ ናይ ሓፂር እዋን ሸቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ነፀላ ስጉምቲ ዘይኰነስ፣ ከም ሃገር ኣካል ጉዕዞ ምብልፃግን ኩለመዳያዊ ዕብየትን እዩ ኢሎም።

ስልጣነ ውፅኢት ነፀላ ተግባር ብዘይምዃኑን ዕቤት ሓደ ዓውዲ በይኑ እውን ስለዘየሰልጥንን፣ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ዓብዪ ሃገራዊ ዕላማን ካልእ መሰረት ስልጣነን ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ስልጣነ ኣብ ባዶ ኣየር ከም ዘይህነፅን ጠንካራ መሰረት ከም ዘድልን ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መሰረት ኸይፀንዐ ዝህነፅ ነገር ብቐሊሉ ፈራሲ ከም ዝዀነን ከም ዘይዘልቕን ተዛሪቦም።

ዘበናት ዝሳገር ስልጣነ ብዕመቆት ሰረቱ ከም ዝፍለጥ ብምግላፅ፣ ናይ ሎሚ ሓምለዋይ ኣሰር ልክዕ ከም ልምዓት ኢነርጂ፣ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ህንፀት ኽእለት ወዘተ ካብቶም ብዙሓት መሰረታት ስልጣነ እቲ ሓደ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ እውን ንጠንካራ ስልጣነ ኣገዳስነት ዘላቕነት ስነ-ምህዳራዊ ኣስሚሮምሉ እዮም።


 

ህንፀት ሃገረ-መንግስታዊ ንምጥንኻር ትካላት ከም እንሃንፆ፣ ሓድነትና ንምጥንኻር ኣብ ሃገራዊ ዕርቅን ምይይጥን ከም ንረባረቦ፣ ኣብ ኢኮኖሚና መዋቕራዊ ስግግር ንምምፃእ ኣብ ኢንዱስትሪን ዲጂታል ዓወድታትን ከም ነትኩሮ ከምኡውን ኣብ ምምሕዳራዊ ልህቀት ከም ንሰርሖ ኵሉ፤ ስነ-ምህዳራዊ ዘላቕነት ንምምፃእ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ምስራሕ ከም ዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ሕብረት እንተዘይተሃልዩ፣ ኢኮኖሚያዊ መዋቕራዊ ስግግር እንተዘይተኻይዱን ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ እንተዘይጠንኪሩን ስልጣነ ከም ዘይዕወትን ከም ዘይቕፅልን ኵሉ፤ ስነ-ምህዳራዊ ዘላቕነት እንተዘይመፂኡ እውን ስልጣነ ክቕፅል ከም ዘይኽእልን ምጉዳል እቲ ሓደ ንስልጣነ ምሉእ ከም ዘይገብሮን ጠቒሶም።

ጠቕላይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) "ተስፋ ብምትካል መሰረትና ነፅንዕ" ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም