ኣብቲ ክልል ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ኣለሚቱ ኡሞድ

ጋምቤላ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን።
“ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክልል ጋምቤላ ይሳለጥ ኣሎ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም።



ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምጥንኻር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለወይ ኢኮኖሚ ክንሃንፅ ይግባእ ኢለን።
ንዕዉትነት ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እውን ተሳትፎ ህዝቢ እቲ ክልል ንክጠናኸር ሓቲተን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም