መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት ክልምልሙ እናገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት ክልምልሙ እናገበረ እዩ
ኣለታ ወንዶ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት ክልምልሙ ይገብር ምህላዉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማን ሓላፊ ቢሮ ትምህርትን ኣይተ በየነ በራሳ ገሊፆም።
ኢትዮጵያውያን ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ሓምለዋይ ኣሰሮም ብምዕራፍ ሓዱሽ ታሪኽ እናሰርሑ ይርከቡ።
ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል “ንዑ ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኣሎ።
ኣብ ክልል ሲዳማ ዞባ ደቡባዊ ሲዳማ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ዞባን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ወረዳ ኣለታ ወንዶ ጣብያ ጎዋዳሞ ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣሰሮም ዘዕረፉ ምክትል ርእሰ መምሕዳር እቲ ክልልን ሓላፊ ቢሮ ትምህርትን ኣይተ በየነ በራሳ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ዝበርሱ ከባቢታት መሊሶም ክልምልሙ ምግባሩ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተተኽሉ ፈልስታት ቡን፣ ፍራምረን ካልኦት ዘርፈ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታትን ብፍላይ ውሕስነት ምግቢ ሓረስቶት ብምርግጋፅን ዓቕሚ ኣታዊ ብምዕባይን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ምዃኖም ተዛሪቦም።