መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ተፈጥሪ ኣብ ምክንኻንን ምልማዕን ዝተትሓዙ ዓበይቲ ትልምታት ጋህዲ ንክኾኑ እናኽኣለ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍት ተፈጥሮ ኣብ ምክንኻንን ምልማዕን ዝተትሓዙ ዓበይቲ ትልምታት ጋህዲ ንክኾኑ እናኽኣለ ከም ዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብዕሊ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢተሮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተግባራዊ ምዃን ዝጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እታ ሃገር ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝተለመቶም ሽቶታት ናብ ተግባር ዝቐየረ ምዕራፍ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ሃፍቲ ደንን ተፈጥሮን ምድኻሙ ብፍላይ ድማ ምስ ምውሳኽ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተኣሳሲሩ እታ ሃገር ንተደጋጋሚ ሓደጋ ድርቂ እናቃልዐ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ታሪኽ ንምቕያር ካብ ዝተወሰዱ ቁልፊ ስጉምትታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን በቢ ዓመቱ ብዝካየዱ ጎስጓሳት እቲ ህዝቢ ንህልውና ባዕሉን ቀፃሊ ወለዶን ክብል ብቢልዮን ዝቑፀሩ ፈልስታት ኣብ ምትካል ሪከርድ ዓለም ዝሓዙ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ሎሚ ዓመት እውን ብብርኪ ሃገር ዝትከሉ 8 ቢልዮን ፈልስታት ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል ስራሕ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም