መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ክትሽለምን ልሙዕነት ሓመዳ ክምለስን ኣኽኢሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ክትሽለምን ልሙዕነት ሓመዳ ክምለስን ከም ዘኽኣለ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

"ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልሲ ካብ ንግሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተካየደ ይርከብ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ጎቦ የካ ብምርካብ ኣብ መርሃ ግበሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣሰሮም ኣንቢሮም ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሓለዋ ከባቢ ብተወሳኺ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ኢኮኖሚያዊ ተሳትፎኦም ኣዕቢይዎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ጥራሕ ካብ 48 ቢልዮን ንላዕሊ ፈልስታት ምትካሎም ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ሃፍቲ ሓመድ ኢትዮጵያ ካብ ምሸርሸር ኣድሒንዎ እዩ ኢሎም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ክትሽለምን ሃፍቲ ሓመዳ ካብ ምሸርሸር ምድሓን ከም ዘኽኣለን ገሊፆም።

ኣብ ቡዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ጠፊኦም ዝነበሩ ፈልፍል ማያትን ቃላያት ክምለሱን ኣኽኢሉ እዩ እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም