ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ - ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ - ኢዜአ ትግርኛ
ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ - ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ
ኣዋሽ መልካሳ ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ ክብሉ ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ ከተማ ኣዳማ ወረዳ ኣዋሽ መልካሣ ጣብያ ዋቄ ሚዓ ተረኺቦም ኣብ መርሃ ግብር ኣብ ሓንቲ ፀኻይ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣብቲ እዋን ኣመራርሓ እቲ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዳማ ኣይተ ሃይሉ ጀልዴ፣ ምኽትል ኮሚሽነራት ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ፈልሲ ተኺሎም።
ሼህ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብዚ እዋን ኹለንተናዊ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምቕፃል ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ተራ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብዚ ዕለት ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓባር ኮይንና ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ሰላምን ሓባርነትን ንትከል እውን ኢሎም፡፡
ኩነታት ኣየር ኢትዮጵያ ንምሕላው ፈልሲ ምትካልን ዝተተኽሉ ምሕብሓብን ካብዚ ወለዶ ትፅቢት ዝግበረሉ ቀዳማይ ተግባር ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።