መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ጥላሁን ከበደ

ቦዲቲ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ “ተስፋ ንትከል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እንትኸውን፤ ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ክልል ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ዳሞት ጋሌ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፅ ተኻኢሉ እዩ።



መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ተረባሕነት ዜጋታት እናዕበየ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ 800 ሚሊዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምትካል ካሊእ ሓዱሽ ታሪኽ ንምፅሓፍ ቆሪፃ ኣብ ዝተልዓለትሉ ሎሚ መዓልቲ ዝትከሉ ፈልስታት ፍራ ምረ፣ቡን፣ሱራ ሱርን ካልኦት ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎምን ፈልስታት እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም