ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ዘመና ዓብዪ ኣሰር እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ብሓባራዊ ምትሕብባር እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ናይዚ ወለዶ ዓብዪ ኣሰር ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ሕብረተሰብን ትካላትን እናተሳተፉ ከም ዝርከቡ ኣመላኺተን።



ንትክሎ ተስፋ እዩ፤ እዙይ ድማ ብልፅግናን ልሙዕነትን ኢትዮጵያ ፅባሕ ንወለዶ ነረክቦ ዓብዪ ተስፋ እዩ ኢለን።
ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ለውጢ ኣየር ንብረት ፣ ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢን ጥዕና ንምሕላውን ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ተዛሪበን።
ፈልሲ ካብ ምትካል ብተወሳኺ ብሓባር ምሕብሓብን ምሕላውን ናይ ኹሉ ሓላፍነት ምዃኑ’ውን ኣገንዚበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም