ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብህዝባዊ ቆራፅነትን ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብምዃንን ሓምለዋይን ዘላቕነት ዘለዎን ፅባሕ ምህናፅ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ሓባራዊ ኣተሓሳስባ እናተመርሐ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ንቀፃሊ ወለዶ ዝተርፍ ዘላቒ ኣሰር ንምዕራፍ ብሓባር ዝተኣኻኸብሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ከምኡ እውን ምስ ብሄራዊ ኮሚቴ ኮፕ 32 ብምዃን ኣሰርና ብምዕራፍ እጃምና ኣበርኪትና ኢሎም።
እቲ ዝተቐመጠ 800 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ምትካል ዓብይ ሽቶ ንምዕዋት ብሓባር እናሰራሕና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያውያን መዓልቲ ሙሉእ ፃዕሮም ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም