ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር)

ሚዛን ኣማን/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ እንትኸውን፤ እቶም ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ወረዳ ደቡብ ቤንች ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣዕሪፎም።



ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ኣየር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ተረባሕነት ማሕበረሰብ እናረጋገፀ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ክልል ብዝትከሉ ፈልስታት ጥሙር ሕርሻ ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም