መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ-ርእሰ ምምሕዳር ኣሻድሊ ሓሰን - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ-ርእሰ ምምሕዳር ኣሻድሊ ሓሰን
ኣሶሳ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ካብ ዘለዎ ፋይዳ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ ከም ዝርከብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ወረዳ ኣቡራሞ ኣጀሚሮም።
ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ዘለዎ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ብተወሳኺ መግለፂ ኢትዮጵያውያን እዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ሽፋን ደኒ ብምዐባይን ሓምለዋይ ኣሰር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምቕናስን ካብ ዘለዎ ፋይዳ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ማሕበረሰብ እናዕበዮ እዩ ዝርከብ ኢሎም።