ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ኣረጋጊፃ እያ

ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ከም ዘረጋገፀት ብምዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተሓዘ ሃገራዊ ሸቶ ካብ ንግሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፓርቲ ብልፅግና ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም።
ብምዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ስርዓት ህንፀት ዴሞክራሲን ምክት ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ተግባራት ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ኣረኪቦም እዮም።



እቲ መርሃ ግብሪ ሥነ-ምህዳር ክለምዕን ሃፍቲ ደኒ ልዕል ክብልን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ብምጥቃስ፣ ነዚ ዓወት ድማ ተራ መላእ ኢትዮጵያውያን ልዑል ምዃኑ ገሊፆም።
ብፓርቲ ብልፅግና ዝመራሕ መንግስቲ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝመዝገቦ ዓወት ኣብ ኩሎም ዓወድታት ብምድጋም ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ብቆራፅደነት እናሰርሐ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም