ተኽሊ ተስፋ እዩ፤ ፅባሕን መፃኢ ዕድል ደቅናን ኢና ንተክል ዘለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ተኽሊ ተስፋ እዩ፤ ፅባሕን መፃኢ ዕድል ደቅናን ኢና ንተክል ዘለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ብዝለዓለ ተሳትፎ ብምንቅስቓስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤ ኣይ) ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይምቁራፅ ሙሉእ ክረምቲ ተኽሊ ብምትካል ኢትዮጵያ ንምልባስን ዘላቒ ለውጢ ንምምፃእን ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝመፀ ኣዘኻኺሮም።
ቀንዲ ዕላማ እዚ ሃገራዊ ፃዕሪ ድማ ኢትዮጵያ ንክትምዕብል፣ንክትበርህ፣ንክትዓብን ንክትስልጥንን ዘሎ ዓብይ ሕልምን ባህግን ጋህዲ ምግባር እዩ ኢሎም።
ከምዚ ዓይነት ዓብይ ሃገራዊ ሕልሚ ክዕወት ዝኽእል ዘተኣማምን መሰረት እንትንፀፍ ጥራሕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ስነ ምህዳር መሰረት ምንባር ማለት ሓመድ፣ማይን ጎቦታትን ምሕላው ማለት ከም ዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም።
እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ተኸላ ፈልሲ ንናይ ፅባሕ ወለዶን ንቆልዑን ዝግበር ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፤ ተስፋ፣ፅባሕን ኢትዮጵያን ኢና ንተክል ዘለና ኢሎም።
እዚ ድማ ብምትሕብባርን ብሓባር ዝሳለጥ ከም ዝኾነ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ከባቢን ሓምለዋይ ልምዓትን ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ብዓለም ለኸ ብርኪ ዓብዪ ኣፍልጦ ምርካቡ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብዙሓት ሃገራት ኣርኣያነትን ኣካይዳን ኢትዮጵያ ንምስዓብ ፃዕሪ የካይዳ ከም ዘለዋ ሓቢሮም።
በዙይ ምኽንያት ድማ መንግስትታት ዓለም ንፃዕሪ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣወሃህባ ሽልማት ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣየር ንብረት (COP 32) ኢትዮጵያ ክተተኣናግድ ከም ዝወሰኑ ኣመላኺቶም፡፡
ጉባኤ ኮፕ ብብርኪ ዓለም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝምልከት ካብ 80 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዝበፅሑ ተሳተፍትን እንተውሓደ ክሳብ 100 ዝበፅሑ መራሕቲ ሀገራትን ዝሳተፉሉ ዓብዪ ኣኼባ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ነዙይ ዝመስል ዓብዪ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ ትኹን ካብ ሰሃራ ንታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ኣዳልየን ከም ዘይፈልጣ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ፅብቕቲ፣ እናዓበየት ዘላን ተስፋ ዘለዋን ምስላ ንዓለም እተርእየሉ፣ ጭቡጥ ተመክሮኣ እተካፍለሉ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ትረኽበሉ ዓብዪ መድረኽ ከም ዝኸውን ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ ንምድላው ኣብ ትገብሮ ምድላው ዓመት ሙሉእ ስራሕቲ ህንፀት፣ተኸላን ፅሬትን ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ብምሕባር፤ ዝተሓባበረ ህዝቢ ሃገር ምህናፅ ከም ዝኽእል መርኣያ ከም ዝኸውን እውን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያውያን ብዝጀመርዎ መንገዲ ብምትሕብባር ዝሓዝዎ ሃገራዊ ሽቶ ንከዕዉቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም