ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብሓድነት ሓሳብን ተግባርን 800 ሚልዮን ፈልስታት እንተኽለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ-ሚኒስትር እናታለም መለሰ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብሓድነት ሓሳብን ተግባርን 800 ሚልዮን ፈልስታት እንተኽለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ ክብላ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናታለም መለሰ ገሊፀን።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናታለም መለሰ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ ምጅማሩ ብዝምልከት መግለፂ ሂበን።

እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂአን፤ ኢትዮጵያውያን ሎሚ ብሓድነት ሓሳብን ተግባርን 800 ሚልዮን ፈልስታት እንተኽለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ ኢለን።

ዓበይቲ፣መናእሰይን ህፃናትን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንምድሪ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ምልባስ ጀሚሮም ክብላ እውን ተዛሪበን።

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝተጎሳቖለትን ዝባደመትን መሬት ሓምለዋይ ንከልብሱ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም