ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ መፍረያይነት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ኢትዮጵያ እናዕበየ እዩ ዝርከብ-ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2018(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ መፍረያይነት ብምዕባይ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ምስሊ ኢትዮጵያ እናዕበየ ከም ዝርከብ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ/ም ኣብ 8 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ሃይቅ ሆራ ኣርሰዲ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከም ዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብዚ ኣዋርሕ ክርርምቲ “ተስፋ ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ታሪኻዊ ዓቀት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ብምድጋም ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንመፃኢ ወለዶ ምትሕልላፍ ከም ዝግባእ ገሊፆም እዮም።
ብመሰረት እዚ እውን መላእ ኢትዮጵያውያን 27 ሓምለ 2018 ዓ/ማብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ሓዱሽ ታሪኽ ልምዓት ንክፅሕፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሓለዋ ከባብን ድሕንነት ስነ ምህዳርን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብሰፊሑ ካብ ዝሳተፍሎም ዓውድታት ልምዓት እዮም ኢሎም።
ዳይሬክተር ኮንሰርቲየም ህዝቢ፣ ጥዕናን ከባብን ኢትዮጵያ (PHE Ethiopia Consortium) እንዳሻው ሞገሴ ብግደኦም፤ ትካሎም ኣብ ዓውድታት ልምዓት ሓለዋ ከባቢ፣ ድሕንነት ስነ ምህዳር፣ ስነ ህዝብን ጥዕናን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ሓምለዋይ ኣሰር ዝተመጣጠነ ስርዓት ስነ ምህዳር ኣብ ምህናፅ፣ሃፍትታት ብዝሃ ሂወት ኣብ ምሕላውን ዝባደሙ መሬታትን ኣብ ምሕዋይን ጭቡጥ ውፅኢታት እማዝገበ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ መርሃ ግብሪ ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነት ምግቢ ዘጠናኽር፣መፍረያይነት ግብርና ዘዕብን ዓለም ለኸ ምስሊ ኢትዮጵያ ዘጠናኽርን ኣፍልጦ እናተረኸበሉ እዩ ኢሎም።
ዓለም ለኸ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ እጃም መሪሕነት ብምውፃእ ጭቡጥ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ ቆራፅ ሃገር እናተብሃለት ከም ትርከብ ፀሪሖም።
ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሁሴን ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ተረባሕነት ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ዓቕሚ መፍረያይነት ዝፈጠረ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ሲቪል ማሕበራት እውን በቢ ዓመቱ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ዘለዎ ተሳትፎ ብምግባር ፃዕርታት ሓለዋ ከባብን ዘላቒ ልምዓትን እናደገፉ ከም ዝርከቡ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም