ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ማእኸል ኢንቨስትመንት ንክትኸውን ኣኽኢሎማ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ማእኸል ኢንቨስትመንት ንክትኸውን ኣኽኢሎማ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 25/2018 (ኢዜኣ) ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ተመራፂት ዓለም ለኸ ማእኸል ኢንቨስትመንት ከም ዝገበርዋ ዘበነ ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደራት ህንድን ፊንላድን ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደራት ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ተሳልጦም ንዘላ ስጉምትታት ንኢዶም።
ዘበነ ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩማር ራይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ቀፃልነት ዘለዎም ሪፎርማትን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓታትን ኢትዮጵያ እታ ሃገር ንዓለም ለኸ ኢንቨስትመንት ተመራፂት መባፅሒት ንክትኸውን እናኽኣልዋ እዮም ኢሎም።
ኣብ ቢሾፍቱ ዝህነፅ ዘሎ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሓዊሱ ቅልጡፍ ለውጢ ከተማታትን ዝርገሐታት ዓበይቲ መሰረተ ልምዓታትን ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ናይ ምስሓብ ዓቕማ ዘዕብዩ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዲጂታል ዓውዲ ሓዊሱ ምህዳር ኢንቨስትመንት ንምስፋሕ ዘሳለጠቶም ዕዉታት ስራሕቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።
ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ኣብ ከይዲ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ተበርክቶ ንዘላ እጃም እውን ንኢዶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ 7ይ ሓፈሻ መረፃን ተሳትፎ እቲ ህዝብን ዕዉት ጉዕዞ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ዘንፀባረቐ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ተግባራዊ ምግባር ዝተጀመረ ሃገራዊ ምኽክር እውን ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ዘበነ ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሲኒካ ኣንቲላ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ዝነኣድ እዩ ኢለን።
ፊንላንድን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ፣ኢንቨስትመንት፣ስራሕቲ ፈጠራን ቴክኖሎጅን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ሰፋሕቲ ዕድላት ከም ዘለወን ብምብርህራህ፤ እዚ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣረዲአን።