ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ንብረት ኣየር ኢትዮጲያ ብተግባር ዘርአየ እዩ -ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 25/2018 (ኢዜኣ)፦ ተበግሶ ሓምለዋይ ኣሰር ንዲፕሎማሲ ንብረት ኣየር ኢትዮጲያ ብተግባር ዘርአየ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ተኸላ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዱ ።

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፍ ፈልሲታት ተኺሎም።

ሰራሕተኛታት እተን ትካላት፣ "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲታት ኣካይዶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ሓዊሱ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኣምባሳደራት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣባላት ዳያስፖራን ተሳቲፎም።


 

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣቮካዶ፣ ፓፓያን ካልኦት ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ዓይነታት ፈልስታት ተተኺሎም።

ኢትዮጵያ ተግባራዊ እትገብሮ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ንሓበራዊ ብልፅግና እቲ ዞባ ተስፋ ፅባሕ ምዃኑ ተገሊፁ እዩ ኣብቲ መርሃ ግብሪ።

ምስ ሱዳን ፣ ኬንያን ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ኣፍሪካን ዝተኻየደ ምትካል ፈልሲ ንልምዲ ምትካል ፈልሲ ንምክፋል፣ ዞባዊ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ንምሕያል ከምዝሕግዝ ታሓቢሩ ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም