ኢዜኣ እዋናዊ ሓበሬታታት ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ እዩ ዝርከብ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2018 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ትኽክለኛ፣ተኣማንን እዋናውን ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ ከም ዝርከብ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣብርሃ ግርማይ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያውያን ቀፃሊ ሰኑይ ብሓደ ቅልፅም ተሓባቢሮም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ካሉእ ታሪኽ ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሎሚ መዓልቲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።



ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣብርሃ ግርማይ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢዜኣ ዘተኣማምን ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ ምንቅስቓስ ልምዓት እታ ሃገር ብትግሃት እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ።
እቲ ትካል ኣብ ዝርገሐ ሓበሬታ ሃገር ናይ ምህናፅ ብፅሒቱ ብኣግባቡ ከም ዝዋፃእን ኣብ ሓለዋ ከባቢ እውን እጃሙ እናበርከተ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
ሰራሕተኛታት እቲ ትካል በቢ ዓመቱ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ናይ ምስታፍ ባህሎም እናዕበዩ ከም ዝመፁ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ እታ ሃገር ዝሓዘቶ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሽፋን ደኒ ንምዕባይን ንዝሓዘቶ ትልሚ ብተግርባር ዝድግፍ እዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ንስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ዝስማዕምዑ ዝተፈላለዩ ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ዝገለፁ እቶም ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ንዝተሓሰበሎም ዕላም ንክውዕሉ ኣድላይ ስራሕ ክንክንን ሓለዋን ከም ዝሳለጥ ኣረጋጊጾም።



ኣብቲ “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ፣ሰሓቢትን ምችውትን ኢትዮጵያ ምህናፅ ሓደራ እዚ ወለዶ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም