ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ምጥንኻር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 23/2018 (ኢዜኣ) ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ ምድላው ምጥንኻር ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪካ ብሙቐት ውቅያኖስ ፓሲፊክ ምኽንያት ዝፍጠር ምዛባዕ ኣየር ንብረት (ኤልኒኖ) ብዝመልከት ህፁፅ ኣኼብኡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።

ብፍሉይ ኮሚቴ ቴክኒክ ግብርና፣ ልምዓት ገጠር፣ ማይን ከባቢ ኣየርን (ADREE) እቲ ሕብረት ዝተዳለወ እቲ ኣኼባ .. ኣብ 2026 ከጋጥም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ክስተት ኣየር ንብረት ኤልኒኖ ንምፅዋር ኣህጉራዊ ስራሕቲ ቕድመ-ምድላው ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።

እቲ ዝልዓለ መድረኽ ምኽክር" ቕድመ-ድልወት ኣፍሪካ፣ ዓቕሚ ምፅዋርን ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምጥንኻርን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ የካየድ ኣሎ።

ዋና ትኹረት እቲ ኣኼባ ኣፍሪካ ንኤልኒኖ ዝተዋደደ ምላሽ ንኽትህብ ሓባራዊ ምትሕብባር ምፍጣር እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ መበል 31 መበል 32 ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ትካል ሕቡራት መንግስታት ለውጢ ኣየር ንብረት (COP31) (COP32) ግደ ኣፍሪካ ምዕባይን ጀንዳታ እታ ኣህጉር ጎሊሆም ኽረኣዩ ምግባርን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ምምካር እዩ፡፡

ማእኸል ልምዓት ትግበራታት ሜቲዎሮሎጂ ኣፍሪካ (ACMAD) ትንበያ ክስተት ኤልኒኖን ኣብታ ኣህጉር ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋን ብዝመልከት መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከቕርብ እዩ።


 

ብተወሳኺ ብመሪሕነት ጉጅለ ተደራደርቲ ኣየር ንብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ኣብ ዝመፁ ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ኣየር ንብረት ትገብሮ ተሳትፎን ንዓለምለኻዊ ጉባኤ ቕነሳ ስግኣት ሓደጋ ዝግበሩ ድልወታትን ቐሪቦም ዘተ ክገበረሎም እዩ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ማይ ኣፍሪካ (AMCOW) እውን ምስ ናይ 2026 ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕ ሓሳብ ዝተኣሳሰረ ሪፖርት ከቕርብ እዩ።

ሚኒስትራት ኣባላት ሃገራት እውን ብዛዕባ ፅልዋ ኤልኒኖን ኣህጉራዊ ምላሽን መግለፂታት ክህቡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኤልኒኖ ዝተዳለወ ሓባራዊ መርሃ ግብሪ ስራሕ፣ሪፖርት ክኢላታትን ሓበራዊ መግለፂ ቅዋምን ከም ዘፅድቕ  ተመላኺቱ እዩ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም።

ኤልኒኖ (El Nino) ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ሙቐት ማይ ካብቲ ስሩዕ ወፃኢ ብምውሳኹ ምኽንያት ዝኽሰት ዓለምለኻዊ ክስተት ምዛባዕ ከባቢ ኣየርን ኣየር ንብረትን እዩ።

ፅልዋ ኤልኒኖ ብብርኪ ዓለምለኸ ዘይተለመደ ዝኸፍአ ድርቂ፣ ዝልዓለ ሓደጋ ውሕጅን ምውሳኽ መጠን ሙቐት ብምስዕብ ኣብ ግብርናን ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባትን ዝልዓለ ጉድኣት የብፅሕ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም