ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታውነት ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ ኣመሓይሹ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታውነት ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ ኣመሓይሹ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምሌ 23/2018 ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታውነት ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ ከም ዘመሓየሸ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
በዓል መዚ ዕድጊትን ንብረትን መንግስቲ ኣፈፃፅማ ዕድጊትን ንብረት መንግስቲ በጀት ዓመት 2018ን ትልሚ 2019 ብዝመልከት ምስ ፕሬዚዳንታት ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ሓለፍቲ ምምሕዳር ሃፍትን ዘተ ኣካይዱ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ስርዓት ምምሕዳር ዕድግቲን ንብረትን መንግስቲ ንኢኮኖሚ ዕብየት፣ ንፊስካል ምርግጋዕ፣ ቕልጥፍና ወፃኢ መንግስቲ ፣ንግልፅነትን ተሓታትነትን ምጥንኻር ዝልዓለ ስትራቴጂካዊ ግደ ኣለዎ።
ዕድጊት መንግስቲ ፖሊሲ መንግስቲ ናብ ተግባር ዝቕየረሉ፣ ሃፍቲ ህዝቢ ብሓላፍነት ዝመሓደረሉ፣ ፅርየት ኣገልግሎት ዘመሓይሽን ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዝድግፍን ምዃኑ ገሊፆም።
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታውነት ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ ከመሓይሽ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ መንግስቲ ብምስፋሕ፣ ምዝማን ዕድጊት ብምጥንኻር ፣ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ብምዝማን ዘበረታትዑ ውፅኢታት ምምዝጋቦም ብምጥቃስ፤ ትካላዊ ዓቕሚ ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ኣብ ወፃኢታት መንግስቲ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘጠናኸሩ ምዃኖም ገሊፆም።
መንግስቲ ንትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ማይ፣ መሰረተ ልምዓትን፣ ልምዓት ዲጂታልን መሰል ዓውድታትን ዝመድቦ በጀት ብዕድጊት መንግስቲ ናብ ተግባር፤ ፖሊሲ ልምዓትን ናብ ውፅኢት ዝቕየረሉ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
በዓል መዚ ዕድጊትን ንብረትን መንግስቲ ብዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ፣ ብዲጂታላይዜሽንን ብምምሕያሽ ኣሰራርሓታት ዘመዝገቦም ውፅኢታት ኣብ ወፃኢታት መንግስቲ ዘሎ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘጠናኽሩ ምዃኖም ገሊፆም።