መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምሌ 22/2018 (ኢዜኣ): - ሎሚ ዘመን ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ምዛዛሙ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 27 ሓምሌ 2018 ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር 800 ሚሊዮን ፈልስታት ከምዝትኸሉ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕላዊ ገይሮም እዮም።
ኣብ መልእኽቶም እውን ኣብቲ ሓሙሽተ መዓልትታት ዝተረፎ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ታሪኻዊ ኣሰሮም ንምዕራፍ ክዳለዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መሪሕ ስራሕ ፈፃሚ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ተፈጥሮ ሃፍቲ ከምኡ እውን ፀሓፊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፋኖሴ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ሎሚ ዘመን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 8 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ተግባራዊ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ እዩ።
በዘይ እውን ብንቑሕ ተሳትፎን ቆራፅነትን ሕብረተሰብ ክሳብ ሐዚ ካብ 4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ንላዕሊ ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ኣመላኺቶም።
ብሓምለዋይ ኣሰር ዝተኸሉ ፈልስታት 40 ሚኢታዊ ሃገር በቆል ንልምዓት ኣግራብ ከምኡ እውን 60 ሚኢታዊ ዝተፈለለየ ጥቕሚ ዘለዎም ምዃኖም ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ሰፊሕ ህዝቢ ብምስታፍን ምትሕብባር ብምርኣይን ጎሊሁ ከምዝርአ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሎሚ ዘመን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ዘድሊ ምድላው ተዛዚሙ እዩ ኢሎም፡፡