ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 9 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 9 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምሌ 22/2018 (ኢዜኣ): - ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 9 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ዋና ስራሕ ፈፃሚ እቲ ግሩፕ መስፍን ጣሰው ገሊፆም።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 2018 በጀት ዓመት ውፅኢታዊ ምንቅስቓስ ስራሕ ከምዝገበረ እውን እቶም ዋና ስራሕ ፈፃሚ ተዛሪቦም።
ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 9 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ እዩ።
እቲ ኣታዊ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 20 ሚኢታዊ ብልጫ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፤ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ምስ ዝተትሓዘ ትልሚ እንተናፃፀር ድማ 9 ሚኢታዊ ብልጫ ኣለዎ ኢሎም።
ኣርባዕተ ሓደሽቲ ዓለም-ለኻዊ መብፅሒታት በረራ ከምዝኸፈተ ብምሕባር፤ 20 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ተጓዓዓዝቲ ከምዘጓዓዓዘ እውን ተዛሪቦም።
22 ዝነበሩ መብፅሒታት ውሽጢ ሃገር ናብ 25 ክዓቢ ምግባሩ ብምሕባር፤ እዙይ ድማ ዓቕሚ ኣገልግሎት ውሽጢ ሃገር ዘዕበየ እዩ ኢሎም።
897 ሺሕ ቶን ኣገልግሎት ምጉዕዓዝ ፅዕነት ከምዝሃበ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 16 ሚኢታዊ ብልጫ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ከም መግለፂ ኣይተ መስፍን፤ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ በጀት ዓመት 9 ሓደሽቲ ነፋሪት ብዕደጋን ብክራይን ናብ ስራሕ ክኣትዋ ምግባሩ ዝበለፀ ውፅኢት ንክመፅእ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተ ጠቒሶም።