ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት እናምፀአ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት እናምፀአ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ጭቡጣት ውፅኢታት የርክብ ምህላዉ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ገሊፀን።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ምምሕዳር ቤተ-መንግስትን ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስትን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ቆቃ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ኣብዚ እዋን ከምዝበላኣ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተጎድኡ ብዙሓት ከባቢታት ተመሊሶም ንኽሓወዩ ዓብዩ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ።
ፍርያትን መፍረያይነትን ንኽውስኽ እውን ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ንዕውትነቱ ምችው ኩነታት ምፍጣሩ ተዛሪበን።
ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ኣግራብ ኽውስኽ እናገበረ እዩ ዝበላ ሚኒስትር ዓለምፀሃይ፤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ምክልኻል መዳይ ዓለምለኻዊ ጥቕሙ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፀን።
ብመርሃ ግብረ ሓምለዋይ ኣሰር ፈልስታት ኣቮካዶን ቡንን ተተኺሎም ንውፀኢት ከምዝበቕዑ ብምዝኽኻር፤ እዙይ እውን ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ክዓቢ ኣኽኢሉ እዩ ኢለን።
ሚኒስትር ድኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ብወገኖም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ኢትዮጵያ ይሃንፅ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ዘለዎ ብምዃኑ ንዝስዕብ ወለዶ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምውራስ ሎሚ ስራሕቲ ምትካልን ምንክብኻብን ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።