መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/ 2018 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ሰነ ምህዳር ከባቢ ንምርግጋፅ ርኡይ እጃም ከም ዘለዎ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ገሊፁ።
ስትራቴጂክን ላዕለዎትን ኣመራርሓ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሄራዊ ድሕንነት ፈልሲ ብምትካል ከም ትካል ዝሳለጥ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሃገር ዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ጭቡጥ ውፅኢት እናምዝገቡ እዮም።
ምክትል ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣሰፋ ኣብዩ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ልዕሊ ስነ ምህዳር ከባቢ ዘጋጥሙ ዕንወታት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ድሕንነት ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቑ ሓቢሮም።
ብምኽንያት ምብዳም ስነ ምህዳር ዘጋጥም ሕፅረት ዝናብ፣ ምሽርሻር መሬትን ድርቅን መፍረያይነት ብምቕናስ ህዝብታት ንሕፅረት ምግብን ፍልሰትን ብምቅላዕ ሓደጋ ብሄራዊ ድሕንነት ከም ዘስዕብ ተዛሪቦም።
ስለ ዝኽክነ ድማ ኣብ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ክንክንን ልምዓትን ተፈጥሮ ከም ሓደ ወፍሪ ምርግጋፅ ብሄራዊ ድሕንነት ተገይሮም ክውሰዱ እዮም ኢሎም።
ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፤ እቶ ቤት ዕዮ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሰራሕተኛታት ብዘሳተፈ መልክዑ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንምስላጥ ምድላው ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።