ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ዝለዓለ ላብራቶሪ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከም ዝተሰጋገረ ዘርኢ እዩ-ሚኒስትር ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/2018(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ዝለዓለ ላብራቶሪ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከም ዝተሰጋገረ ዘርኢ እዩ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ገሊፀን።
ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ዝለዓለ ላብራቶሪ ስልጠናን ምርምርን ስራሕ ኣጀሚሩ።



ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ረጋሳ፣ጄኔራል መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል፣ ተወከልቲ ሕቡራት ዓርርብ ኢመሬትስን ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ መሰረተ ልምዓት እቲ ላብራቶሪ ዝማዕበሉ ቴክኖሎጂታት ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ጥራሕ እኹል ከም ዘይኮነ ሓቢረን።
ፍልጠት ናብ ሞያዊ ብቕዓት፣ ምርምር ናብ ፈጠራ ከምኡ እውን ንኣገልግሎት ሃገርና ናብ ዝውዕሉ ተግባራዊ መፍትሕታት ዝቕይር ሓዱሽ ሳይንስ ትምህርትን ትካላዊ ዓቕምን ዝተኸፈተሉ ኣጋጣሚ እዩ ኢለን።
መሰረት እዚ ምዕራፍ ልህቀት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትስን ዘበናት ዝተሳገረ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን።
እዚ ታሪኻዊ ምሕዝነት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ምትሕብባራት ብተወሳኺ ሃገራዊ ድሕንነት፣ ቴክኖሎጂካዊ ስግግርን ዘበናዊነት ትካላትን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዘጠናኽር ዝለዓለ ምዕራፍ ከም ዝተሰጋገረ ኣረዲአን። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም