ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ላዕለዋይ ላብራቶሪ መሰልጠንን ምርምርን ስራሕ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/2018(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ(UAE) ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ላዕለዋይ ላብራቶሪ መሰልጠንን ምርምርን ስራሕ ኣጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ፣ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፣ተወከልቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስን ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም።
እቲ ላብራቶሪ ኣብ ልዕሊ 20 ሽሕን 850 ካሬ ምትር ዝዓረፈ እንትኸውን፤ ንዝለዓለ ስልጠናን ምርምርን ዘድልዩ ዘበናዊ ናውቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተማልአሉ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ማእኸል ዓውድታት ምርምር ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ምክልኻልን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ዘበናዊ ማእኸል ፍልጠት ከም ዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም