ዓመታዊ በዓል ንግስና ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይኽበር ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓመታዊ በዓል ንግስና ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይኽበር ኣሎ
ሃዋሳ/ሓምለ 19/2018(ኢዜኣ) ዓመታዊ በዓል ንግስና ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብድሙቕ ይኽበር ኣሎ።
ዓመታዊ በዓል ንግስና ቅዱስ ገብርኤል 19 ታሕሳስን 19 ሓምለን ስዒቡ ከተማ ሃዋሳ ብተኸተልቲ እቲ እምነትን ኣጋይሽን ደሚቓ እያ ትውዕል።
ዓመታዊ በዓል ንግስና ቅዱስ ገብርኤል ሃዋሳ ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ብተወሳኺ ነታ ከተማን እቲ ከባብን ቱሪስትታት ወፃእን ውሽጢ ሃገርን ብበዝሒ ንክውሕዙ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ሎሚ መዓልቲ እውን ዓመታዊ በዓል ንግስና ቅዱስ ገብርኤል ሃዋሳ ተኸተልቲ እቲ እምነት፣ቱሪስትታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።