ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ /18/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ምልክት ልምዓት ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ምዃኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣባላትን ኣመራርሓን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ ወሰን ቃላይ ሆራ ኣርሰዲ ''ተስፋ ንትከል'' ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ኣካቢ ቦርድ ኢዜኣን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ስምን ዝናን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ኣደባባይ ልዕል ዘብል ዘሎ ሃገራዊ ተበግሶ እዩ።
ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቢሊዮን ፈልስታት ምትካሎም ሃገር ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ትገብሮ ስግግር እናተሳኸዐ ምህላዉ ብተግባር ዘርእይ ምኻኑ ገሊፆም።
ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሃገር ውሽጢ ሓለዋ ከባቢ ሓሊፉ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር እውን ሓዱሽ መልእኽቲ ዲፕሎማሲ የሕልፍ ምህላዉ ጠቒሶም።
ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ፈልሲ ብምቕራብን ተሞክሮታት ሓለዋ ከባቢ ብምክፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ተጠናኽር ኣላ፤ እዙይ እውን ብዙሓት ረብሓታት ዲፕሎማሲ የርክብ ኣሎ ኢሎም።
ፅልዋ ኣየር ንብረት ንምፅዋር ዝተወሰደ ተግባራዊ ስጉምቲ ዓለም ከም ተሞክሮ ይርእዮ ምህላዉ እውን ጠቒሶም።
እዙይ እውን ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ኣድንቖትን ክትርክብ ዘኽኣላ ምኻኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ሃገር ውሽጢ እውን ሓምለዋይ ኣሰር ሓባራዊ ተሳትፎ ዜጋታት ብምዕባይ ሃይማኖት፣ ዕድመን ፆታን ከይደረቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ዓላማ ዘተኣኻኽብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ልምዓት ምኻኑ ተዛሪቦም።
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ምስታፍ ዘለዎ ረብሓ ዘርኣየን ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኸረን ምኻኑ ጠቒሶም።
ብመንፅር ኢኮኖሚ እውን ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍርያትነትን ብምዕባይ ኢኮኖሚ ገጠርን ከተማን ንምጥንኻር ከምኡ እውን ብብርኪ ቤተሰብ ዝሓሸ መነባብሮ ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ምህላዉ ገሊፆም።
ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ብወገኖም፤ ኢዜኣ ከም ትካል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።
ኣብ ቢሾፍቱ ከተማ ዝተኻየደ ተኸላ ፈልሲ እውን ኢዜኣ ኣብዚ ኽረምቲ ዘካየዶ ንኻልኣይ ግዘ ዘካየዶ ሓምለዋይ ኣሰር እንትኸውን፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ኣብ ክልላት ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተኸላ ፈልስታት ከምዘካይድ ገሊፆም።
ኢዜኣ ዜጋታት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ነቝሕ ተሳትፎ ክገብሩ ስራሕቲ ምግንዛብን ምንቃሕን ብዝተጠናኸረ መገዲ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋግፆም።