ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ስግግር ዲጂታል ዘፋጥን ሓይሊ ሰብ ይህነፅ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ስግግር ዲጂታል ዘፋጥን ሓይሊ ሰብ ይህነፅ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 18/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ስግግር ዲጂታል ዘፋጥን ሓይሊ ሰብ ይህነፅ ከም ዘሎ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዜ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝሰልጠኑ ስታርት ኣፓት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣመሪቑ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ስግግር ዲጂታል ጠንካራ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ከምኡ እውን ዘተኣማምን መሰረተ ልምዓት ይሓትት።
እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ዝምስረት ኣብ ሓፂር እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተጠቃሚት ዝገብሩ ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ኣፍሪካ ፈለማይ ፖሊሲን ስትራቴጂን ሰብ ስራሕ ብልሒ ምቕራፁ፣ ፀገም ፈታሕቲ ውፅኢታት ምፍራዮም፣ ንዕዳጋ ዓለም ብቑዓት ዝኾኑ ዲጂታል ክኢላታት ምፍራይ ምኽኣሉ፣ መሰረተ ልምዓት ሰብ ስራሕ ብልሒ ምዝርጋሕን ካልኦት ውፅኢታትን ምራኻቦም ጠቒሶም።
ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብፍላይ ድማ ቐዳምነት ኣብ ዝውሃቦም ዓውድታት ፍትሕን ምምሕዳርን፣ ስማርት ኮርት (ዘመናዊ ቤት ፍርዲ) ን ስማርት ፖሊስ ጣቢያን፣ ጥዕና፣ ኣገልግሎት ህዝብን ብAI ዝተደገፉ ቴክኖሎጂታት ብሰፊሑ ኣብ ስራሕ ምውዓሎም ገሊፆም።
ኣብቲ ዓውዲ ንዝተረኸበ ዓወት ኣብ ስታርትኣፕ፣ ሰመር ካምፕ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካልኦት ትካላትን ጠንካራ ስራሕቲ ልምዓት ህንፀት ሓይሊ ሰብ ብምስላጡ እዩ ኢሎም፡፡
ንፈለማ ግዜ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝሰልጠኑ ተመረቕቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምንቅስቓስ ድሉዋት ዝኾኑ፣ ዝተፈተሹ፣ ኣብ ስራሕ ዝወዓሉን ኣብ ዕዳጋ ክስፋሕፉሑ ዝኽእሉን ውፅኢታት ከምዘቕረቡ ገሊፆም።
እቶም ውፅኢታት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ናብ ተግባር ምስግጋሩ ዘርእዩ ምኻኖም ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ-ርእይ እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ዓወድታት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ትራንስፖርት፣ ቴክኖሎጂ ቋንቋ ፣ ስማርት ሲቲ፣ ፋይናንስንን ሰብኣዊ ልምዓትን ዝሰራሕዎም ፀገም ፈታሕቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንምርኢት ኣቕሪቦም እዮም።