መፃኢ ዕድልና ብገዛእ ፍልጠትናን ጥበብናን ክንቀርፆ ኢና፡- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
መፃኢ ዕድልና ብገዛእ ፍልጠትናን ጥበብናን ክንቀርፆ ኢና፡- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሐምሌ 18/2018 (ኢዜኣ)፦መፃኢ ዕድልን መዕለቢን ኢትዮጵያ ብገዛእ ፍልጠትናን ጥበብናን ክንቀርፆ ኢና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍ መልእኽቲ፤ መፃኢ ዕድልናን መዕለቢናንን ካልኦት ክውስኑልና ኣይንፅበን ኣይንፈቅድን ፤ እንታይ ደኣ ብጥበብ ሃገርናን ብገዛእ ፍልጠትናን ክንቀርፆ ኢና ኢሎም፡፡
ሎሚ ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣቢልና ኣብ ታሪኽ ሃገርና ፈለምቲ ሰጠንቲ AI ስታርትኣፕ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ብድምቀት ኣመሪቕና ኣለና እውን ኡሎም።
እዙይ ድማ ውፅኢት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ዓውዲ ዝሃብዎ ፍሉይ ትኹረትን ናይ ቀረባ ዝክትትልን፣ ከምኡ እውን ሃገርና ብፃዕሪ ደቂ ዘመዝገበቶ መርኣያ ዓብዪ ምዕራፍ ዓወትና እዩ ክብሉ ኣመላኺቶም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ትራንስፖርት፣ ስማርት ሲቲ፣ ፋይናንስን ኣብ ካልኦት ዓውድታትን ዝተዋፈሩ እቶም መንእሰያት ምሃዝቲ፥ ሓገዝ ክእለት ምልማዕ ፍርያትን ቴክኒክ፣ሓቃዊ ኣተሓሳስባ ኣፈታትሓ ፀገም፣ ፣ ደረጃኡ ዝሓለወ AI ወርክሾፕ፣ ማእከል ክላውድ ዳታን ዝለዓለ ሪሶርስ ኮምፒዩቲሽናል ከም ዝረኸቡ ኣብራህሪሆም።
ሓደ ስታርትኣፕ እንትድገፍ ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ከምኡ እውን ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ይፈጥር፤ መንግስትና እውን ነዙይ ትኹረት ሂብዎ ኣሎ። ናይ ሎሚ ተመረቕቲ እውን ናይዚ መርኣያ እዮም ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፡፡