ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ህክምና ጥዕና ኣገልግሎት ጥዕና ንኹሉ ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ተበፃሒ ብምግባር ጥዕናኡ ዝተሓለወ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ዝልዓለ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 17/2018 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ህክምና ጥዕና ኣገልግሎት ጥዕና ንኹሉ ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ተበፃሒ ብምግባር ጥዕናኡ ዝተሓለወ ዜጋ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።

«ሰናይ ፍቓድ ንዕቤት ኢትዮጵያ» ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ብምትሕብባር ዘዳለውዎ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ናፃ መርመራ ጥዕና ምኽርን ህክምናን ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ነቲ መርሃ ግብሪ ብዕሊ ዘጀመራ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ከምዝገለፃኦ፤ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቃድ ህክምና ክረምቲ ቀንዲ ዓላማኡ ሕማማት ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻልን ምፍላይደን ዘተኮረ እዩ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ዜጋታት ኣቐዲሞም ህክምና ዝረኽቡሉ ዝልዓለ ዕድል ምዃኑ እውን ወሲኸን ተዛሪበን።


 

ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ዶክተር ኣብርሃም እሸቴ ብወገኖም፤ እቲ ሆስፒታል ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ በቢዓመቱ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ከምዘካይድ ኣመላኺቶም።

ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ እውን ካብ 120 ሺሕ ንዝበልፁ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ናፃ ኣገልግሎታት ህክምና ንምቕራብ ከምዝተለመ ገሊፆም።

እቲ ኣገልግሎት ካብቶም ዝተለመዱ መደበኛ መርመራታት ሓሊፉ ሕክምናታት መጥባሕቲ፣ ሕክምና ስፔሻሊቲ ከምኡ እውን ከም ሲቲ ስካን (CT scan) ኤም ኣር ኣይ (MRI) ዝበሉ ዝልዓለ ምርመራታት ዲያግኖስቲክ ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም