ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ጥዕና ቀዳማይ ብርክን ምክልኻል ለበዳን ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ዓቕሚ ሃኒፃ እያ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 17/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ጥዕና ቀዳማይ ብርኪ፣ምክልኻል ለበዳን ንሓደጋታት ህፁፅ ምላሽ ኣብ ምሃብን ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ጠንካራ ዓቕሚ ከም ዝሃነፀት ትካል ጥዕና ዓለም ገሊፁ።
ተወካሊ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ፕሮፌሰር ፍራንሲስ ካሶሎ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ እታ ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ንዓለም ተወሳኺ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዋ ዘርእዩ እዮም።
ኣብ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ብምቕናስ ዝተረኸበ ውፅኢት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ተሞኩሮ ከም ዝኸውን እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ትካል ጥዕና ዓለም ንኢትዮጵያ ብቀዳማይ ብርኪ ሓለዋ ጥዕና ኣፍልጦ ማእኸልነት ልህቀት ንምሃብ ከይዲ ከም ዝጀመረ ኣረዲኦም።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዓቕሚ ላብራቶሪ፣ዲጂታል ክትትል ለበዳ፣ህንፀት ሓይሊ ሰብን ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ጠንካራ ትካላት ጥዕና ሕብረተሰብ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።



ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ቀፃሊ ካብ ኣገልግሎት ሕክምና ብዝዘለለ ኣብ ምክልኻል ሕማም ትኹረት ከም ዝገብር ብምግላፅ፤ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ሓለዋ ከባብን ፅሬትን ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ንምህናፅ ወሰንቲ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብዚ መዳይ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር፣ልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ኢትዮጵያ ተግባራዊ ብምግባር ምስሊ ከተማታት ካብ ምፅባቕ ብተወሳኺ ጥዕና ህዝቢ ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።
ትካል ጥዕና ዓለም እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እታ ሃገር ኣብ ዲጂታል ጥዕና ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም