ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ይግባእ
ጎንደር፤ ሓምላ 16/2018 (ኢዜኣ)፦ ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንብርክት ዝበሉ ረብሓታት ምውዓል ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም።
በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጎንደር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዱ።
ዋና ዳይሬክተር ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ከምዝገለፅዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ልምዓት ታሪኽን ባህላዊ እሴታትን ምጥዕዓም ዘላቒ ዕብየት ንምምዝጋብ ዘለዎ ግደ ዝልዓለ እዩ።
ኣካል ናይዚ ዝኾነን ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተተግበረን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ቦታታት መርከቢ ሓድግታት ምስ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምትእስሳር ንኩለመደያዊ ረብሓ ክውዕል ንምኽኣል ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ሰብ ስራሕ ብልሕን ተፈጥሮኣዊ ሓድግታትን ምስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምትእስሳር ዕብየት ሃገር ንምፍጣን ሓጋዚ እዩ ኢሎም።
በቲ በዓል መዚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ በጀት ምምዳብ ሓዊሱ ዘድሊ ክንክንን ሓለዋን ከምዝገብረሎም ኣረዲኦም።
"ሎሚ እንተኽሎም ፈልስታትን እንሰርሖም ተግባራትን መፍትሒ ዕለታዊ ፀገማት ጥራሕ ዘይኮኑስ ፣ ንወለዶ ሃፍትታት ታሪኽ፣ ተፈጥሮን ፍልጠትን እዮም" ክብሉ ኣመላኺቶም፡፡