ቀፃሊ ኣድማስ ስትራቴጂ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ናይ መሪሕነት ግደ ንምፅዋት ዘኽእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀፃሊ ኣድማስ ስትራቴጂ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ናይ መሪሕነት ግደ ንምፅዋት ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 16/2018 (ኢዜኣ)፦ ቀፃሊ ኣድማስ ስትራቴጂ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ናይ መሪሕነት ግደ ንምፅዋት ዘኽእል ምዃኑ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ትካል ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣፈፃፅማ 2018 በጀት ዓመትን ቀፃሊ ኣድማስ ስትራቴጂ እቲ ትካል እቲ ትካል ኣመልኪተን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን።
እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣብ ዝሃባኦ መግለፂ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምዕዋት ብትግሃት ክሰርሕ ምፅናሑ ገሊፀን።
ኢትዮ ቴሌኮም ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 215 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ብምርካብ 99 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ትልሙ ምዕዋቱ እውን ገሊፀን።
እቲ ኣታዊ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ዓመት እንትነፃፀር 33 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ኣለ ኢለን።
ኣብዚ እዋን ቁፅሪ ተጠቀምቲ ቴሌብር 60 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ኣፍሊጠን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረን ንሰለስተ ዓመታት ዝተግብርን ቀፃሊ ኣድማስ ስትራቴጂ ኩለመደያዊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዕብየት ንምፍጣን ዝዓለመ ምዃኑ ኣገንዚበን።
እቲ ስትራቴጂ እቲ ትካል ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ዘኽእልን ንኣፍሪካ ኣጀንዳ 2063 ከምኡ’ውን ንዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምዕዋት ጠንካራ መሰረት ዘንብር ምዃኑ እውን ተዛሪበን።
ኣብ ሓደ ዓመት ኣፈፃፅማ እቲ ስትራቴጂ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተበፃሕነትን ምዘመናን ከምዝተኻየዱ ኣብሪሀን፡፡
በዙይ እውን 603 ሓደሽቲ ጣብያታት ሞባይል ተሃኒፆም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ብምግላፅ፤ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ጣብያታት ሞባይል 10 ሺሕን 613 ከምዝበፅሕ ገይረዊ እዩ ኢለን፡፡
ኣብ 195 ጣብያታት ሞባይል ገጠር ብምህናፆም 117 ወረዳታት ተበፃሕቲ ምዃነንን እዙይ ድማ ተበፃሕነት ምስፋሕን ሓቛፋይነት ምርጋፅን ከምዘኽኣለ ገሊፀን።
ኣብቲ በጀት ዓመት 264 ከተማታት ኣገልግሎት ኔትወርክ ራብዓይ ትውልዲ (4G) ክረኽባ ምኽኣለን ተናጊረን።
ሸውዓተ ተወሳኺ ከተማታት ኣገልግሎት 5G ምርካበን ስዒቡ እውን፣ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ከተማታት 5G 33 ከምዝበፅሐ ኣፍሊጠን።
ብሓፈሻ ኩለመደያዊ ስራሕቲ መስፋሕፈሒ ቴክኖሎጂን መሰረተ-ልምዓትን መሰረት ብምግባር፤ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ዓማዊል ኢትዮ ቴሌኮም 90 ነጥቢ 1 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ገሊፀን።