ኣፍሪካ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ዝምራሕ ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ምህናፅ ዘኽእል እኹል ፍልጠት፣ ትካላትን ተሞኩሮን ኣለዋ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ዝምራሕ ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ምህናፅ ዘኽእል እኹል ፍልጠት፣ ትካላትን ተሞኩሮን ኣለዋ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 12/2018 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ዝምራሕ ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ምህናፅ ዘኽእል እኹል ፍልጠት፣ ትካላትን ተሞኩሮን ኣለዋ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ፋይናንስ ኣብ ንሃንፀሉ ታሪኻዊ እዋን ኢና ንርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ኣብ ዝተኻየደ ህፁፅ ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ጥዕና ተረኺባ ተሞኩሮኣን ንቀፃሊ ኣንፈት ጥዕና እታ ኣህጉር ዘለዋ ቆራፅነትን ከም ዘካፈለት እውን ኣረዲኦም።
ደጋዊ ደገፍ እናቐነሰ ምምፅኡ ነታ ኣህጉር ዋላ ኳ ፈተና እንተኾነ ኣብ ባዕላዊ ዓቕሚ መሰረት ዝገበረ፣ ፅኑዕን ዘላቕን ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ግን ዓብይ ኣጋጣሚ ከም ዝፈጠረ ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ዝምራሕ ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ምህናፅ ዘኽእል እኹል ፍልጠት፣ ትካላትን ተሞኩሮን ከም ዘለዋ ብምግላፅ፤ ኣህጉራዊ ሽቶታት ንምዕዋት ቆራፅነት ፖለቲካ ናብ ጭቡጥ ተግባር ምቕያር ጥራሕ እዩ ዘድሊ ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣባል ሃገራት ብምትሕብባር ጥዕና ዘለዋን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ንምህናፅ ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።