ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ዓውዲ ጥዕና ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ጋና ኣክራ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምሌ 15/2018 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ ሓወሱ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሳተፉሉ ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ዓውዲ ጥዕና ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ጋና ክካየድ እዩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ ፍሉይ ጉባኤ መረሕቲ ዓውዲ ጥዕና ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ትማሊ ናብ ርእሰ ከተማ ጋና ዝኾነት ኣክራ ምእታዎም ይዝከር።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፋሪት ኣክራ እንትብፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጋና ሳሙኤል ኦኩዜቶ ኣብላክዋን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ሃገርን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም እዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዕዉት ተሞክሮታት ዓወዲ ጥዕና ኢትዮጵያን ንኣህጉራዊ ሽቶታት ዘለዋ ጭበጥ ቆራፅነት ነቲ ጉባኤ ከካፍሉ ትፅቢት ይግበር፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም